|
Written by VoMD Staff
|
|
Thursday, 28 May 2009 17:33 |
|
መራሒ መንእሰያት ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኒክላስ ዋይክማን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ንሸውዓተ ዓመታት ተኣሲሩ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ካብ ማሕዩር ስርዓት ኢሰያስ ናጻ ንምውጽኡ፡ ሰራዊት ሽወደን ክዋሳእ ኣለዎ ዝብል እማመ የቕርብ።
ኒክላስ ነዚ እማመ ዘቕረበ፡ ኣብቲ ምስ ቲቲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ማዕከን ዜና ዘካየዶ ቃለ መሕትት እዩ። “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ንሽወደናዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ጅሆ ክሕዞ እዩ መሪጹ። እዚ ኸኣ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን፡” ዝበለ ኒክላስ፡ “ዳዊት ናጻ ንኽልቀቅ እምበኣር፡ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣለዎ” ይብል። ኒክላስ፡ “ዳዊት ከም ዝኾነ ካልእ ሽወደናዊ ዜጋ መሰላት ኣለውዎ። ነዞም መሰላት ከኣ ክንከላኸለሎም ይግባእ…ስለዚ፡” ይብል ኒክሊስ፡ “ነዚ ወትርሃደራዊ ስጊምቲ ክውሰድ ኣለዎ ዝብል እማመ፡ ዕቱብ ኣድህቦ ክግበረሉ ይግባእ” ይብል። ኣቀድም ኣቢሉ፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብቲ ምስ ሽወደናዊ መደበር ተሌቪዥን ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ዳዊት “ኣበይ ከምዘሎ ክፈልጥ ድሌት የብለይን…ኣይንፈትሖን ኢና፡ ኣብ ሕጊ ድማ ኣይነቅርቦን ኢና” ከምዝበለ ብሰፊሑ ዝዝከር እዩ። |
|
Last Updated on Thursday, 28 May 2009 17:38 |