HomeAbout MeseleyዜናArticlesድምጺ መሰልና ደሊናMultimediaDownloadsCartoons
እንደልዮ ዘሎና ለውጢ ብኸመይ ነረጋግጾ? PDF Print E-mail
Written by emdhr   
Monday, 14 December 2009 11:35

“እዚ ጽሑፍ’ዚ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ፡ ናይ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ህላወኡን ንጥፈታቱን፡ ሓያልን ድኹምን ጎንታቱ፡ ናይ መጻኢ መደባቱን ኣመልኪቱ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ገምጋም፡ ብማእከላይ ቤት ጽሕፈት እቲ ምንቅስቓስን፡ ኮሚቴ ገምጋምን ስትራተጂካዊ ውጥንን ካብ ዝቐረበ ናይ ስራሕ ወረቐት ዝተወስደ ጽሟቕ ትሕዝቶ እዩ።”

እንደልዮ ዘሎና ለውጢ ብኸመይ ነረጋግጾ?

መእተዊ

ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲ ወለዶታት እዩ። እዚ ቃልሲ እዚ ዘገም እናበለ ኣብ 1991 መሬታዊ ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ኣብ ልቢ ዝበዝሓ ኤርትራዊ ዝነበረ ራእን ትጽቢትን ሰላምን ብልጽግናን ዘለዋ፡ ፍትሕን ስርዓትን ዝመለለይኣ ሃገር ክትህልዎ እዩ። እዚ ሓቂ ‘ዚ ግን፡ ዋላኳ ብዝነበረ ናይ ናጽነት ሓጎስን ፍስሃን መብዛሕትና ከንስተብህለሉ ኣይንኽኣል እምበር፡ ህ.ግ ክትግብሮ ከምዘይኮነ ብዘተፈላለየ ኣገባበት ኣሚትዎ እዩ። ኣንጻር እዚ ኣካይዳ ድማ፡ ዝተፈላለየ ግሁድን ዘይግሁድን መልክዓት ዝነበሮ ዘይተወደበን ግብረመልሳዊ  ተቓውሞታት ኣጋጢምዎ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ተቓውሞታት ‘ዚ፡ ፋሕ ዝበለን ዘይተወደበን ግብረመልሳውን ምንባሩ ከድምዕን ህዝቢ ከእምንን ዛጊት ኣይከኣለን። እቲ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ፡  ህግ ንኣበስኡን ምግሃስ ክብርታትን፡ ብቐጻሊ፡ ተደጋጋምን ብዘይንሕስያን ስለዝቐጸሎ እቲ ተቓውሞ ክንህርን፡ ግብራዊ መልክዕ ክሕዝን ህዝቢ ክርደኦን፡ ክኢሉ እዩ።

ኣብዚ ከም ነጥበ መቐይሮ ክጥቀስ ዝኽእል፡ ፍጻመ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራን ድሕሩ ዝሰዓበ ተቓውሞታትን፡ እቲ ስርዓት ንኣፋታትሕኡ ዝተኸተሎ ኣገባብን እዩ። እዚ ተረኽቦ እዚ ነቲ ዝነበረ ንኣሽቱን ዘየድመዓን ተቓውሞታት ሓይሊ ይኹኖ እምበር፡ ነዚ ናህሪ እዚ ካብ ግዝያዊ ናህሪ ምዃን ሓሊፋ ናብ ነባርን ዓይነታውን ለውጢ ክፈጥር ዝኽእል ሓይሊ ንምቕያሩን፡ ዓንድታት እቲ ስርዓት ከነቃንቖ ናብ ዝኽእል ዓቕምን ኣይማዕበለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ምፍንጫላትን ሓድ ሕድ ምውንጃልን ገኒኑ ውሽጣዊ ዓቕሚ እተን ውድባት ድማ ንታሕቲ እናተኖቕተ ክኸይድ እዩ ጸኒሑ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን እምበኣር እቲ ጠንቂ እንታይ’ዩ ኢልካ ምርኣይ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ መሰረታዊ ጸገም ዓቕሚ ትካላዊ ኣሰራርሓን፡ ውሽጣዊ ሰረት ዘለዎ ውድብ ወይ ማሕበር ዘይምህናጽ እዩ። እዚ ብኽልተ መገዲ ክህነጽ ይከኣል፡ እቲ ሓደ ልክዕ ከምቲ ናይ ህግ ኣመዓባብላ ጨፍላቕን መላኽን ውድብን ጥርናፈን ምስራሕ፡ ወይ ድማ ብቡዙሕ ፈተናታት ዝሓለፈ ሓቀኛ ጥርናፈ ብምምዕባል ውሕስነት ደሞክራስን ስርዓተ ሕግን ዝኸውን ኣማራጺ ሓይልታት ምፍጣር። ነዚ ዳሕረዋይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምርጫና ኮይኑ ዘሎ መገዲ ንምኽታል እምበኣር፡ ቀንድን መሰረታውን ኣድህቦ ውድባትን ትካላትን ኣብዚ ዘለናዮ እዋን  ኣብ ምህናጽ ውሽጣዊ ዓቕምን ብቕዓትን፡ ምጽዋዋር ምዕዛዝን፡ ክፋት ኣእምሮ ምምዕባልን ቃልስና ድማ ኣብ ኩናት ሓሳባት እምበር ኣብ እንታይነትን መንነትን ነቲ ሓሰብ ዘእንግዱ ውልቀ ሰባት ምዃኑ ተሪፉ፡ ሓባራዊ ውድባዊ ራእን ተልእኾን ብምስሳን፡ ሓባራዊ ክብርታትን ዋጋታትን ኣብ ምጥጣዕ ኣተኩረን ነብሰን ክሃንጻ፥ እንተዘይኮይኑ ግና ከምዝሓለፈ ተሞክሮ ከም ኣብ ሑጻ እተሰረተ ቤት፡ ንእሽቶ ንፋስ ምስ ሃረመን ክበታተናን፡ ክወድቃን ምዃነን ክግንዘበኦ ይግባእ።

እሞ እንታይ ይገበር፧

እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ ናብዚ ንምብጻሕ እንታይ ይሓትት ዝብል ሕቶ ክልዓል ውሁብ ነገር እዩ። ዝኾነ  ምትእኽካባት ናይ ሰባት ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ምርድዳእ ምብጻሕን ኣፈታትሓ ዘይምርድደኣት ምእላይን እንተዘይማዕቢሉ ክዓብን ክስስንን ዝኽእል ምጥርናፍ ክህሉ ዝከኣልን፡ ዝሕሰብን ኣይኮነን። ነዚ ክውን ንምግባር ድማ እቲ ምትእኽኻብ ወይ ምጥርናፍ ክዕዘቦም ዘለዎን ክሓልፎም ዝግብኦን መስርሓት ኣለው። ካብዚ ቀጺልና ድማ እዞም መድረኸታን መለለይኦምን ዝሓትዎ ዋጋን ብሕጸር ዝበለ ክንርእዮም ክንፍትን ኢና።

መድረኽ ዝተሰንዓ ጥርናፈ

እቲ ናይ መጀመርያ መስርሕ፡ ኣብ ሓደ ዕላማን መትከልን ተጠርኒፍካ ንክትሰርሕ ምብቃዕ እዩ። ኣብዚ ናይ መጀመርያ መድረኽ፡ ተጠራነፍቲ ንኹሉ ዘለዎም ፍልልያት ብምኽሓድ ክመሳገኑን፡ ናይ ንግሆ ተኣኪቦም ናይ ምሸት ተሓቛቑፎም ክነኣኣዱን ምርኣይ ሓደ መለለይ እዚ ዝተሰንዓ ጥርናፈ እዮ። ኩሎም ተጠራነፍቲ ብሓጎስ ክሰራሰሩን እቲ ምስራሕ ውድብ ወይ ማሕበር ድማ ኣባልዓ እንጀራ ከምስልዎን ይረኣዩ። እዚ መድረኽ እዚ ብስምዒትን ንዓኻ ዝመስል ሰብ ምርካብካ ብዝፈጥረልካ ሓጎስ ዝመጽእ ዩፎርያን ዝተዓበለለ ምትእኽኻብ ኣምሰሉ ‘ዩ ክበሃል ‘ውን ይከኣል እዩ። እዚ ዝተሰንዓ ሓጎስን ፍስሓን ግና ቀስ እናበለ ናብ ስግኣት፣ ፍርሕን ዘይምቹእ ስምዒታት ከኣ ይፈጥር። ቀስ እናበለ ድማ፡ ናብ ክሳድ ምትሕንናቕ ዝግንፍል ስምዒታት ይምዕብል። ቀንዲ መለለይ እዚ መድረኽ ‘ዚ፡ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ግጭት፡ ብምሕባእ ግጭት ‘ዩ። ግጭትን ዘይምርድዳእን ከምዘየለ ብምምሳል ዝልለ መድረኽ እዩ።

መድረኽ ሕንፍሽፍሽ

እቲ ስዒቡ ዝመጽእ መደረኽ፡ መድረኽ ሕንፍሽፍሽ ተባሂሉ ክጥቀስ ዝከኣል መድረኽ እዩ። ጠንቂ እዚ መድረኽ እዚ ነቲ ከማኻ ዘይሓስብ ወድ ማሕበርካ ክትቅይርን ክተሕውን ኢልካ ዝሕለን ጌጋ መርሓ-ሓሰብ እዩ። ደቅሰባት ንለውጢ ሓንጎፋይ ኢልካ ናይ ምቕባል ባህሪ የብልናን፡ ኣንጻር እዚ ባህርያዊ ዝኾነ ኩነታት፡ እቶም ዝቕይሩን ዝሕድሱን ብዝለዓለ ደረጃ ጻዕሮም የሕይሉ፡ እቶም ግዳያት ናይዚ ጻዕሪ ‘ዚ ብወገኖም፡ ነቶም መጠምቓን ብምቅዋም፡ ንሶም’ውን ብግዲኦም ነቶም ቀየርቲ ክቕይሩን ክልውጡን ይጅምሩ። ብኸምዚ ድማ ሕንፍሽፍሽ ዝበለ መድረኽ ይፍጠር። እዚ ናቱ ዝኾነ ህላወ የብሉን፡ እንታይ ደኣ ናብ ሓቀኛ ጥርናፈ ንምብጻሕ ክስገር ዘለዎ መስርሕ እዩ። እዚ መስርሕ ‘ዚ፡ ከምቲ ኣብ መድረኽ ዝተሰንዓ ጥርናፈ እቶም ተጠርነፍቲ ነቲ ምስሉይ ኣገባባቶም ምስኣላለይዎ ብቐሊሉን ኣብ ዝሓጸረን እዋን ናብ መድረኽ ሕንፍሽፍሽ ዝኣትዉ፡ እዚ ናይ ሕንፍሽፍሽ መድረኽ ግን ብቕሊሉ ዝልለን ዝስግርን መድረኽ ኣይኮነን። ሓደ ከም ጠንቂ ናይዚ መድረኽ ‘ዚ፡ እቲ ሓደ ዘቕርቦ ሓሳባትን ርእይቶን፡ እቲ ሓደ ብኡ ንብኡ ይነጽጎን ውዱቕ ይገብሮን። ኸምዚ እናበለ እቲ ሕንፍሽፍሽ ይቕጽል። ኣብዚ እዋን ‘ዚ ከኣ ስምዒት  ኣንነትን ናይ መን ስዓረን ዝብል ኣተሓሳስባታትን ይኽሰት። ዋዕዋዕን፡ ጫቚጫቑን ዘይመሃዝነት፡ ዘይሃናጽን ሓሳባት ከኣ ዓብለልቲ መለለይ እዚ መድረኽ እዚ እዮም። እዚ ኩነታት እዚ ዘጨንቕን፡ ዘተሓሳስብን ምዃኑ ድማ ኣባላት እዚ ምጥርናፍ ኣብ ነንሕድሕዶም ጥራይ ዘይኮነ ንመሪሕነት እቲ ጥርናፈ ‘ውን ብጉድለትን ብቑዕ መምርሒ ብዘይምሃብን ምውንጃልን ምኽሳስን ይጅምሩ።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘለና ሓደ ነገር ኣሎ። እቲ መሪሕነት ክእርምን ካብዚ ሕንፍሽፍሽን ከውጽእ ዝኽእለሉ ሓደ መገዲ ኣሎ። እዚ መገዲ እዚ ተሪርን ተንኮላትን ዝመልኦ ስጉምትታት እናወሰድካ ኣብ ልዕሊ ባህርያዊ ምዕባለ ናብ ሐቀኛ ጥርናፈ ብምዕጋት፡ ፍርሒ ምንጋስን ብኡ ኣቢልካ ገባርን ሓዳግን፡ ዝኾነ መሪሕነትን ምእዙዙን ልሙስን ኣባል ብምፍጣር ካብ ሓቀኛ ጥርናፈ ክህደም ይከኣል እዩ። እዚ ግን ንሓቀኛ ጥርናፈን ምውዳብን ዘይከውንን ዘየሰስንን ተበግሶ እዩ። እዚ መድረኽ ሕንፍሽፍሽ ኣዝዩ ዘጨንቕን፡ ዘይውጽኢታዊን ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ሰብ ይጸልኦን ካብቲ ምጥርናፍውን እግሩ ከሕጽርን ብኡ ኣቢሉ ድማ ንሓዋሩ ክእለን ይረኣ። ይኹን እምበር ካብቲ ፍልልያት ሓቢኡ ዝኸይድ መድረኽ ሰንዓን ኣምሰሉ ህላወን፡ ፍልልያት ናብ ቅርዓት ዘውጽእ ብምዃኑ ኣብ ምስራሕ ሓቐኛ ጥርናፈን ድልዱል ሰረትን ብቑዕ ትካለዊ ዓቕሚ ዘለዎ ውድብን ማሕበርን ንምፍጣር ሓደ ደረጃ ንቕድሚት እዩ።

መድረኽ ሃጓፍነት

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ መድረኽ ሕንፍሽፍሽ ናብ መድረኽ ሃጓፍነት ንምስግጋር፡ ክልተ መገዲ ኣሎ። ናብ ዓማጽን ተሪርን ዝኾነ ውደባን ጥርናፈን ምስግጋር ወይ ድማ ናብ ሃጓፍ መድረኽ ምእታውን ገዛእኣእምሮኻ ክፋት ምግበርን። እዚ መድረኽ ሃጓፍነት ንዝነበረካ ዘይክወንነታዊ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ምስዓር ይጠልብ። እዚ ድማ ብዘዓባ ክስዕብ ዝኽእል ኩነታት ርጉጽነት ክህልወካ ስለዘይገብር ዝኾነ ውልቀ ሰብ ዝፈትዎ መድረክ ኣይኮነን። ብቐንዱ እምበኣር እዚ መድረኽ እዚ፡ ዝኾነ ርክባትን ምዝርራባትን ካብ ዝዓግት መናድቕ ነብስኻ ሓራ ብምግባር ክፉት ምዃን ይጠልብ። እዚ ማለት ነብስኻ ካብ ዝኾነ ስምዒታት፡ ሓሳባትን፡ ኮን ደኾን፡ ዝብሉ ነገራትን ካልኦት ክፉት ኣእምሮ ካብ ምዃን ዝዓግቱ ነገራት ነብስኻ ሓራ ምግባር ይጠልብ። እዚ ነገር ድማ ካብ ተሪር ኣንነት ናብ ልዙብ ዝኾነ መንነት የሰጋግር። ገለ ካብዞም ክፋት ንምዃን ዝዓግቱና ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ትጽቢታትን ሕዱር ሓሳባትን፡ ዝኾነ ሰብ ናብ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ክጽንበር እንከሎ መብዛሕትኡ እዋን ሕዱር ሓሳባትን ትጽቢትን ሒዙ’ዩ ዝንጽንበር። ነቲ እተጸንበሮ ማሕበር ወይ ውድብ ድማ ምስ ሕዱር ኣተሓሳስብኡን ትጽቢታቱን ከምዝሳነ ንምግባር ይጽዕት። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ብዘይካ እቲ ናቱ ኣተሓሳስባን ትጽቢታትን ናይ ካልኦት ክሰምዕን ክርእን ፍቓደኛ ኣይከውንን። እዚ ሓደ መገዲ ንዕጽውነት ይኸውን።

ዘይርትዓዊ ርድኢት፡ እዚ ዘይርዓታዊ ርድኢት፡ ኮነ ኢልና ዘይኮነ ከይተረደኣካዮን ከየቕለብካሉን ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለካ ኣረኣእያን ገምጋምን ዝምዕብለ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ልዕሊ ሰባት ከይፈለጥካዮም ወይ ድማ ምስ ድሩት ኣፍልጦ ምፍራድ ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ ዘይርትዓዊ ርድኢት ኣብ ልዕሊ ሰባት ነብስኻ ነጻን ክፋትን ምግባር ንምስግጋር ካብ መድረኽ ሕንፍሽፍሽ ናብ ሓቀኛ ጥርናፈ ሓጋዚ ተራ ኣለዎ።

አነ ይፈልጥ ዝብል ርድኢት፡ እዚ ርድኢት እዚ ኣነ ዝብልክዎ ኩሉ ልክዕ እዩ። ካብ ዝብል ስምዒትን ናይ ካልኦት ሰባት ስምዒትን ኣረአእያን ኣብ ግምት ካብ ዘይምእታውን ዝብገስ እዩ። ኣጋጢሙና ዘሎ ሽግር ኣነ ብልክዕ ተረዲኡኒ ኣሎ። መፍትሒኡ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት ጅባይ ኣሎ ዝብል ስምዒት እዩ። እዚ ድማ ነቲ ክፋትነትን ምስግጋር ናብ ሓቀኛ ጥርናፈ መዕገቲ ይኸውን።

ክትጽግን፡ ክትልሕምን ክትፈትሕን ምህቃን፡ ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ ነገር እቲ ተበግሶ ምጽጋን ምልሓምን ምፍታሕን ኣይኮነን። ብቐንዱ ዝጽላእ እንታይ ደኣ፡ እቲ ሃቀነ ካብ ክፋት ኣእምሮ ዘይብገስ ምዃኑ እዩ። መድረኽ ሕንፍሽፍሽ ኣሳቃይን ፈታንን ስለዝኾነ፡ ካብዚ ስቓይ እዚ ነብስኻ ንኽተድሕን ዝውሰድ ሃቀነ ስለዝኾነ ሃናጽነቱ ድኹም እዩ። ኣብ መድረኽ ሕንፍሽፍሽ ዋላ’ውን ኣበርክቶኻ ድሩት ክኸውን ዝኽእል እንተኾነ፡ ናብቲ ዝለዓለ ጥርናፈን ውዳበን ከብጽሕ ዝኽእልን ክሕለፍ ዘለዎን መድረኽ ምዃኑ ተቐቢልካ ነዚ ስቓይን ዘይምቹእ ኩነታትን ክትቕበል ፍቓደኛ ምዃን ይሓትት። እዚ መድረኽ እዚ ኣባላት እቲ ጥርናፈ ነቲ ፍልልያት ክጽግኑን ክቕበሉን ዘይኮኑ ኣብ ትሕተ-ንቑሕ ኣእምሮኦም ነቲ ፍልልያት ኣብ ምጥፋእን ከምዘየለ ንምምሳልን እዮም ዝሰርሑ።

ክትቖጻጸር ምሕላን፡ እዚ ድሌት እዚ መበገሲኡ ፍርሒ ኮይኑ፡ እቲ ተበግሶ ምህናጽ ሓያል ጥርናፈ ከይውድቕ እሞ ንስኻ ድማ ከይትሰዓር ካብ ምድላይ ዝብገስ ኣንነት መንቀሊኡ ስምዒት እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ ኩሉ እቲ ሰብ ነብሱ ክኸፍትን ነዚ ባህርይዚ ክስዕርን እንተዘይክኢሉ እቲ መሰጋገሪ ናብ ሓቐኛ ጥርናፈ ኣሸጋሪን ከቢድን ይኸውን። ነዚ ክፋት ክትገብር እቲ ቀንዲ ዝድለ ረቛሒ ካብ ፍርሒ ነብስኻ ምውጻእን ከይትወድቕ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ዘይምፍራሕን የድሊ።

ክፋት ምዃን እምበኣር ብዙሕ ነገራት ምሕዳግ ከምዝሓትት ምግንዛብ የድሊ። እዚ ሕድገታት እዚ ድማ ዕርቃንካ ኣውጺኡ ጥራሕካ ዘትርፈካ ስለዝመስል፡ እዚ ስምዒት እዚ ዝፈጥሮ ስቓይን ምሽቑራርን  ምስካምን ምጻርን ይጠልብ። እዚ ብኻልእ ኣዘራርባ መስዋእቲ እዩ። ሓቀኛ ውዳበን ጥርናፈን ክህልው እንተኾይኑ ግን፡ ኣባላት እዚ ጥርናፈ ነዚ ዋጋ እዚ ክኸፍሉ ፍቓደኛታት ክኾኑ የድሊ። ኣብዚ ክንግዘቦ ዘሎና ሓደ ነገር ኣሎ። እዚ መድረኽ ክፋትነት፡ ከም ሰብ መንነትካ ምጥፋእን ኩሉ ዝነበረካ ሓዲግካ ጥራሕካ ምዃን ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ነገራትን ሰባትን ዘለካ ኣረኣእያን፡ ኣጠማምታን ኣስፊሕካን ኣዕቢኻን ንዝሓየለን ሰረት ዘለዎ ውደባን ጥርናፈን ዘብጽሕ መድረኽ እዩ። ካብዚ ተበጊሶም ኣብዚ መድረኽ እዚ ሓያለ ኣባለት እዚ ጥርናፈ ክፈርሑ፡ ክርዕዱን ድንግርግር ክብሎምን ከኣ ከም ንቡር ተርእዮ እዚ መድረኽ ይውሰድ።

እቲ ጥርናፈ ካብ ሕንፍሽፍሽ ናብ መወዳእታ ገጻት መድረኽ ክፋትነት እናሰገረ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣባላት እቲ ጥርናፈ ንስዕረቶም፡ ውድቀቶም፡ ጥርጣረታቶም፡ ንፍርሆም፡ ዘይብቕዓቶምን፡ ኣበሰኦምን ክካፈልዎ ምኽኣሎም ሓደ ዓወት ናብ ሓቀኛ ጥርናፈ እዩ። ኣብዚ ናይ መወዳእታ መድረኽ ክፋትነት እውን እንተኾነ ግና ካብቲ ዘፍርሕን ዘሰንብድን ህላወ ክወጹ ዘይከኣሉ፡ ነዚ መድረኽ ንድሕሪት ክጎቱን ናብ ዝተሰንዓ መድረኽ ከምብሓድሽ ክመልስዎ ዝፍትኑ ክህልዉ ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን። ምስግጋር ናብ ሓቐኛ ጥርናፈ እምበኣር፡ ንእሽቶ ሞት ናይቶም ውልቀ-ኣባለት ዝጠልብ መስርሕ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግና ሓባራዊ መስዋእቲ ቲ’ጥርናፈ’ውን ከምዝሓትት ክፍለጥ ይግባእ።

መድረኽ ሓቐኛ ጥርናፈ

እዚ መድረኽ እዚ ድሕሪ እቲ ናይ ክፋትነት መድረኽ ብዓወት ምስጋሩ ዝረጋገጽ ኮይኑ፡ መለለይኡ ህድኣትን ሓድሕድ ምስምማዕን ምክብባርን እዩ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር፡ ፍሉይ ሓሳባትን ዝጋጨዉ ኣረዳድኣታትን የለውን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ጥርናፈ በሲሉን ነቒሑን ብኸመይ ከምዝሕዞም ዓቕሚ ዝደለበ ብምዃኑ፡ ክፈትሖምን ክኣልዮምን ዘይጽግሞ ምዃኑ እዩ። ክንዮ እቲ ናይ ዝንቡዕ ርድኢት መድረኽ ሰጊሩ ንሓቀኛ ዓቕምን ክውንነትን ኣመዛዚኑ ክርኢ ዝኽእል መነጽር ኣጥርዮ እዮ ዝኸይድ ማለት እዩ። ድሕር’ዚ መድረኽ እዚ፡ እቲ ጥርናፈ ናብቲ ዝቖመሉን ክሃርሞ ዝደልዮን ሸቶ ንምኽያድ ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ዝጅምረሉ እዋን’ውን እዩ። ድሕር’ዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ነብስኻ ንምሕያልን፡ ውሽጣዊ ዓቕምኻ ንምድልዳል ዝተገብረ ስጉምትታት ክስዕብ ዘለዎ ጉዳይ ድማ መደባትካ፡ ስትራተጂኻን፡ ውጥናትካን፡ ናይ ትግባረ መደባትካ ምሕንጻጽን ምስራዕን ይኸውን።

Last Updated on Monday, 14 December 2009 11:37
 

ነፍስ-ወከፍ ጸጋ ከይትባኽን
ዘዝበርሀት ሽምዓ ከትቕህም
ዘዝቦቖለት ተኽሊ ከትኹምርር
ዘዝነቀለት ክንቲት ከይትዳኸም

JavaScript is disabled!
To display this content, you need a JavaScript capable browser.

ንላዘብ ዶ ኣሎና ንመኻኸር
ንሰምር ዶ ኣሎና ንተሓናገር
ኣተሓሳስባና እንተሃብቲሙ
ወዮ ድኽነትና ሽዑ እዩ ኣኽቲሙ!!!!